News

November 20, 2026

መኽፈቲ ዋዕላ ፕሮጀክት መሽጣ ሎተሪ ንዕድል ስራሕ መናዕሰይ ትግራይ

ትካል ገባሪ ሰናይ ቲየስ " Tigray youth Empowerment solution (TYES)" ዘዳለዎ  'ሎተሪ ንቁረፅ፣ ንሸለም ንመናእሰይ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዘይሕጋዊ ስደት ንዕገት' ፕሮጀክት ዝተፈላለዩ ሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ኣብ ዘማርያስ ሆቴል ዕላዊ መግለፂ ሂቡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዕላዊ መድረክ ተረኺቦም ንሚድያታት መግለፂ ዝሃቡ ዳሬክተር ትካል ገባሪ ሰናይ ቲየስ ኣይተ ዳዊት ሃይሉ፣ "ቲየስ" ኣካል መፍትሒ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት መናእሰይ ትግራይ ንምዃን ብውሸጣዊ ዓቕምና ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዓሊሙ ዘዳለዎን ዝተፈላለዩ ሸልማታት ዘለዎን ፕሮጀክት ሎተሪ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣይተ ዳዊት፤ “እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝፍፀም መርሃ ግብሪ ን3000 መናእሰይ ኣብ ስነ-ልቦናውን ቴክኒካዉን ስልጠናታት ብምሃብ ኣብ ስነ-ፅባቐ፣ ስራሕቲ ሓፂንን ዕንፀይትን፣ ሳሙናን ናውቲ ፅሬትን፣ ምድላው ሕምባሻን ባንን፣ ፅገና ማሸናት ፅሬት፣ ምርባሕ ንህብን ካልኦት ሞያታትን ሰልጠና ብምሃብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ናብ ዝፈጥርሉ ስራሕ ክዋፈሩ እዮም” ኢሎም።
“ተሳትፎ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ንዕውቱነት እዚ ፕሮጀክት ወሳኒ ግደ ኣለዎ” ዝበሉ ኣይተ ዳዊት፣ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ብምጥንኻር ኣብዚ ሰለስተ ዓመት 500 ሸሕ መናእሰይ ፍትሓዊ ተጠቃማይነትን ተበፃሓይነቱን ክሰፍሕ ምዃኑ ኣብ መግለፂኦም ኣረጋጊፆም፡፡
 “ንዕውትነት እዚ ዓብዮ ፕሮጀክት ኣብ ውሸጢ ዓዲን ወፃእን ዝርከብ ትግራዋይን ፍተዉቲ ተጋሩን ንባዕልኩምን ንፈተውትኩምን ብምቁራፅ እጃምኩም ተዋፅኡ” ክብሉ ድማ ፀዊዖም። 
ትካል ቴየስ ዘሰናድኦ ዕፃ ሎተሪ ናይ 2024 ሞዴል BYD ኢሌክትሪክ መኪና፣ ኤሌክትሪክ ሞተር ሳይክል፣ ፍርጅ ቴሌቪዥን ( በዓል 43ን 65 ኢንችን)፣ ላፕቶፕ፣ ስማርት ስልክታት ካልኦት ሸልማታትን ዘለዎ ምዃኑ እናፋለጠ ምምፅኡ ይዝከር፡፡
እጠቃቅማ Website ንምርዓይ:- https://www.youtube.com/shorts/VN9ztE-jQL0
ሙሉዕ ትህዝቶ ናይቲ መግለጺ:- https://www.youtube.com/watch?v=ex7eV4HTJkg 
                                   :- https://www.youtube.com/watch?v=LJM3HswJImA